ፕሮጅክት/PROJECT

ናይ ጽጉማት ሓገዝ መደብ ( Project )

1. ምኽንያት ንጽግማት ንምሕጋዝ ከም መደብ ክትሓዝ ዝተገብረ።


በብግዝዩኡ ብዙሓት ደቂ ድግሳ ብዝተፈላለየ ምኽንያታት ኣብ ናይ ሽግር ዓዘቅቲ ተሸሚሞም ኣብ ስቅያት ከምዘለው ይስማዕ ነይሩ ኢዩ።ንሳቶም ድማ ብናይ ጥዕና ጸገም ብናይ ሽግር ኣእሙሮ ፤ሽግር ድኽነት ዝበልዕዎ ዘይብሎም ፤ ኣብቲ ግዜ እቲ ከቢድ ናይ ኣንበጣ ሓደጋ ወሪዱ ስለ ዝነበረ፤ ጽላል ማሕበር ድማ ነዚ ብምስትውዓል ነዞም ኣብ ሽግር ዘለው ደቂ ዓዲ ሽግሮም ንምፍታሕ ነዚ ሰናይ ናይ ሕልና ስራሕ ብደቂቅ እንዳጽነዔ ነቶም ብሓቂ ዝጽገሙ ዘለው ደቂ ድግሳ ሽግሮም ንምፍታሕ ከም ሓደ መደብ (Project) ንኽትሓዝ ተወሲኑ።

2. ኣገባብ ኣሰራርሐ

ኣካያዲት ሽማግለ ናይ ጽላል ማሕበር ዕላዊ ኣኼባ ብምጽዋዕ ነቲ ናይ ጽጉማት ምሕጋዝ መደብ ዘካይዱ ሰለስተ ሰባት ኮሚትየ ብሙቃም እቲ ስራሕ ከም ዝካየድ ተገብረ።እቲ ዝተመረጸ ኮሚትየ በብግዝዩኡ ብኣኼባ መልክዕ እንደተመያየጠ ስርሑ ቀጸለ ንሱ ድማ ንኹሉ ወዲ ድግሳ ዓዓቅሙ ነኸዋጽእ ጎስጋስ የካይድ ነይሩ ፤ በብግዝዩኡ ኣብ ዓዲ ( ድግሳ) ዝነብሩ ምስ ዝተፈላለዩ ሰባት ብተሌፎን እንዳተራኸበ ናይቶም ሓገዝ የድልዮም ዝተባህሉ ሰባት ኣስማት ዘለዎም ሽግርን ከለሊ ከኣለ።                                                                                                                                                                                                                                                                                      -2020-2021 በቲ ዝካየድ ዝነበረ ጎስጋስ $5000 USD ተኣኪቡ። ነቶም ህጹጽ ሓገዝ የድልዮም ዝተባህሉ ሰባት$4400 ንድግሳ ተላኢኹ ን44 ጽጉማት ንነፍስወከፍ $100USD (1500 ናቅፋ) ተዋሂቡ።                                                                -2021-2022 ሓደ ካብቲ መደብ ዝነበረ ኣብ ድግሳ ናይ ኣንበጣ ሽግር ስለ ዝወረደ ብእኽሊ ድዩስ ብገንዘብ ሓገዝ ከነወፊ ዝብል ሓሳብ ነይሩ። ነገር ግን እቲ ዝተኣከበ ገንዘብ ንኹሉ ከምዘይ ኣክል ብምርዳእ ነቶም ኣጸቢቆም ኣብ ሽግር ዝወደቁ ዝብላዕ ዘይብሎም፤ ብናይ ኣንበጣ ሳዕቤን፥ ብሕማም/ ናይ ኣእምሮ ጸገም ዘለዎም ሰባት መጽናዕቲ ድሕሪ ምክያድ 2022 $4406 USD (70,200 ናቅፋ) ንድግሳ ተላኢኹ ነ47 ሰባት ድማ ተዋሂቡ። ኩሉ ኹሉ ዝተኣከበ ገንዘብ $9,255.30 ኢዩ ነይሩ ምስቲ ናይ ሸርፊ ምልውዋጥን መልኣኺኡን ምስ ጎደለ $8,806 ንዓዲ ተላኢኹ።

3. ዘጋጥም ዝነበረ ጸገማት

1) እቲ ዝተኣከበ ገንዘብ ከምቲ ዝድለ ኣይነበረን ስለዚ ነቶም ኣጸቢቖም ዝተጸገሙ ሰባት ንኸተጽንዕ ከቢድ ነይሩ።                                                                                                                                                                                                                                     2) ናይ ተሌፎን ሽግር ስለ ዝነበረ ሰብ ረኺብካ ከተዘራብ ኣብ ድግሳ ጸገም ነይሩ።
3) እቲ ገንዘብ ተቀቢሉ ነቶም ጽጉማት ዘብጽሓሎም ብሓላፍነት ሰብ ንምርካብ ቁሩብ ጊዜ ወሲዱ።
4) ካብ ቶም ገንዘብ ዝተቀበሉ ሰባት በጺሑና ዝብል ብጽሑፍ ድዩ ብፌርማ ክንረክብ ኣይካኣልናን ነገር ግን ብተሌፎን ደዊልና እቲ ገንዘብ ከም ዝተቀበልዎ ተረጋጊጹ። ኣብ መደምደምታ ዋላኳ ነቲ መደብ ክዕንቅፍ ዝኽእል መሰናኽላት እንተ ነበረ እቲ ሓላፍነት ዝተዋተህቦ ኮሚትየ ግን ከይተሓለለ ስሩሑ ብዓወት ዛዚሙ።

4. ምስጋናን ለበዋን

ነዚ ናይ ሕልና መደብ (Project)ንኽዕወት ብዓዲ ይኹን ብደገ ዝተሓጋገዙ ነመስግን።ብምቅጻል እዚ መደብ ንጽጉማት ንምሕጋዝ ብጽላል ማሕበር ከም መደብ ተወሲዱ ብዝበለጸን ዝማዕበለን መንገዲ ንኹሉ ግዜ ንኽቅጽል ሓደራ ንብል። ብተወሳኺ ኣብ ምሉእ ዓለም እንርከብ ደቂ ድግሳ ድማ ነዚ ቅዱስ ሓሳብ ደጊፍና ተሳተፍቲ ክንከውን ብትሕትና ለበዋና ነመሓላልፍ።

ድግሳና ሰሱኑ ክንዲ ሽሕ ኩኑ!!! ኤልሳ አብርሃ ገ/እየሱስ

ሓጻር ጽሕፍ ብዛዕባ ፕሮጀክት ዚስተ ማይ ከተማ ድግሳ ካብ መወዳእታ 2019–

ትሕዝቶ

  1. ዓላማ ጽሑፍ
  2. መእተዊ
  3. ድሕሪ ባይታ ፕሮጀክት
  4. ጸናሒ ጎደናዊ ጸገማት ፕሮጀክት
  5. ዝተወስደ ስግምቲታት
  6. ተወሳኺ ስግምቲታት
  7. ዘጋጠመን ዘሎን ጸገማት
  8. ዘሎ ውጥንን ለበዋን

1- ዓላማ.

ዕላማ’ዚ ሓጺር ጽሑፍ ፣ ንኣንባባይ ኣዚዩ መሰረታዊ ዚዀነ ግን ከኣ ንጹር ሓበሬታን ፣ ምስሊን ፣ ስእልን ከምኡ’ውን ርድኢት ንምሃብን ኢዩ። ኣብ ዕለታትን ኣስማትን ከማኡ ድማ ኣሃዛትን ብዙሕ ዘተኰረ ጽሑፍ ኣይኰነን። ዕሙቕ ዝበለ ሓበሬታ ኣድላይ ኣብ ዚዀነሉ እዋን ንአመሓደርቲ/አገልገልቲ ሽማግለ ምውካስ ይካአል።

2- መእተዊ

ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዙ ፣ ኩሎም ዘ-ብሄረ ድግሳ ፣ ኣብ ስደት (ኣብ ሃገር ኰነ ካብ ኤርትራ ወጻኢ) ኣብ ዘለውሉ እዋን’ውን ከይተረፈ ፣ ቆላሕታ ዓዶም ኪገብሩን ከከም ዓቕሞም ኪሕግዙን ምንባሮም ይፍለጥ። ነባሮ ወይ ከኣ ተቐማጦ ዓድና’ውን እንተዀነ ፣ ኣብ ስደት ምስ ዘለዉን ዚነበሩን ፣ ብፍሉይ ተናቢቦም ኪኸዱ ምጽናሖም ርሑቕ ተመክሮ ኣይኰነን። ብቐሊል ካብ ኣእምሮኻ እውን ከቶ ዚሃስስ ኣይኰነን። ዋላ’ውን ኣብ እዋን መግዛእቲ እውን ከይተረፈ ፣ ናቶም ውሽጣዊ ርቕቕ ብዚበለ መንገዲ ዶባቶምን መንነቶምን ዘኽብሩሉ ምሕደራ ከምዝነበሮም ይፍለጥ’ዩ።ንኣብነት፣- ኣብ እዋን መዋእል ጃንሆይ ፣ ካብ ”ኣድግና-ተ-ገለባ” ኣብ ኣስታት 80ኪ/ሜ ርሕቀት ካብ ዓድና (ከባቢ ዛላንበሳ ወይ ኪኖዉ) ዚነብሩ ዘይረኸብዎ ፣ ኣብ ዓሰብ *ኣስታት ጉዕዞ 3 መዓልታት ኣውቶቡስ ዚኸውን ምሕዱግ ሰፈር ዘለዉ ደቂ ድግሳ ፣ ኣብ መገበር ዓዶም (ድግሳ ወይ ኤርትራ) ከምዘለዉ ተሓሲቡ ፣ ግብሪ ይወሃቡ ምንባሮም ፣ ድሕሪ ደጊም ፣ ዳርጋ ታሪኽን ነበረን ኮይኑ ይርደኣካ። ስለምንታይ ሕጂ ዘለዎ ኩነታት በጺሑ ብዙሕ ምኽንያታት’ኳ እንተሃለወ ፣ እንዳተበለለን እንዳሃሰሰን ከይዱ ምህላዉን ገለ ነገር ኪግበር ዘለዎ ግን ፣ ሓደን ክልተን የብሉን። ነዚ ድማ ሕጂ’ውን ፣ ንዓድና ካብ ”ነበረ”ን ፍጹም ጻንታን ንምድሓን ዓቕምና ንምግባርን ሓሳብና ካብ ምውህሃድ ወጻኢ ካልእ ዕጫ የለን። መብራህቲ ፣ ቤተክርስትያን ፣ ቤት ትምህርቲ . . . ዚኣመሰሉ ማሕበራዊ ኣገልግሎታት ኪህሉ ኣብ ምግባር ፣ ካብ ብዙሕ ኩርንዓት ዓለም (ኣስራኤል ፣ ኤውሮጳ ፣ ምዕራብ . . . ወዘተረፈ) ኣብ አእዋኑ ኪለኣኽ ምጽናሑ ይፍለጥ። ክንደይን ካበይን ይስደድ ከም ዚነበረ ካብ ተመዛዚ ሰደቓኻ መሰስ ኣቢልካ ኣሃዛት ብደቂቕ ከተቐምጥ ብኹሉ ኩነታቱን ምስ ኩሉ ኩናታቱን ቁሩብ የጸግም ይኸውን። ግን ብዙሕ ነገራት ተገይሩ ኢዩ። ካልእስ ይትረፍ ገለ ቁሩብ ግን ኪጠቅስ እፈቱ። ቅድሚ ውሑዳት ኣዋርሕ ፣ ዓው ቢሎም ከይተዛረቡ ፣ ኣባላት ቤት ትምህርቲ ሰንበት/መዘምራን ዓድና ፣ መብራህቲ ቤተክርስትያንና ኰሊዖምዋ። ”ኣበይ ኢና ኔርና” ክሳብ እንብል ጌሮሙና። ካብኡ ዚዓቢ ድማ ፣ ውሑዳት ክነሶም ፣ ግን ከኣ ኣዚዩ ገዚፍ ፕሮጀክት መብራህቲ (ብጽሒት ዓድና) ንኺሽፍኑ ፣ ኣቐድም ኣቢሎም ኣብ ኣመሪካ ዚጸንሑ ኣቦታትን ፣ ኣዴታትን ፣ ኣያታትን ፣ ሳንዳታትን ልዕሊ 40,000 ዶላር ኣመሪካ ናብ ዓድና ከምዚለኣኹ ፣ ንስነዳ ጽላል ማሕበር ተባሂላ ብመገዲ ክቡር ሓው ብርሃነ ተኽለጊዮርጊስ መዓሾ ፣ ኣብ ኢድ ጸሓፋይ’ዛ ትነብቡዋ ዘሎኹም ብጣስ ወረቐት ትሕብር። ካልእ ካብዚ ዚበዝሕ ወይ ዚዓቢ ዚገበሩ ይህልዉ ይኾኑ። ግን ኩሉ ሓደ ኢዩ። ኣሰር ኣዚኣቶም ምሓዝ ድማ ይግበኣና። እቲ ቁም-ነገር ሓቢርካን ተጠርኒፍካን ምሕሳብ ኢዩ። ሕጂ ኣብ ወጻኢ ብዛዕባ ዘሎ ሰብ ንዛረብ ስለዘሎና እንተዘይኰይኑ ፣ ኣብ ከተማታት ወሽጢ ሃገርና ዘለዉ ዘ-ብሄረ ዚገብርዎ ደገፍን ሓገዝን መዳርግቲ ኣልቦ ምዃኑ ከኣ ኣይነዘንግዕ።

3 – ድሕረ-ባይታ ፕሮጀክት

ብርግጽ እዚ ፕሮጀክት ብውጥን ተታሒዙ ዝነበረን ዓደጋሕነ ንጽገና ሪጋኡ በጺሑዎ ዚተታሕዘ ፕሮጀክት ኣይኰነን። የግዳስ ካብ ዚስራሕ ኣስታት 15 ዓመት ዚገበረ’ኳ እንተዀነ ፣ ሃንደበት እዩ ጠጠው ኢሉ። ምኽንያት ድማ እቲ ዚነበረ ናይ ሶላር inverter ስለዝተበላሸወ ኢዩ። ብጣዕሚ ከቢድ/ረዚን ኢዩ ፣ ብሰብ ዚለዓል ኣይኮነን። 5 ኪሎዋት ብምዃኑ። ግን ናብ ኣስመራ ብመኪና ጥራሕ ኢዩ ኪኸይድ ዝኽእል። ቅያር ይደልዩ ኣለዉ. . . ወዘተ፣ ዚብል ኣውያት ዚሐዘ መልእክትታት ናብ ወጻኢ (ምዕራብ) ኣብ 2019 ዓምፈ. ተላኢኹ። ባድጊ ካብ ሩባ ምውራድ ተጀሚሩ ተባሂሉ። ናብ ኣቓልቦ ጽላል ማሕበርን ኩሉ ዘ-ብሄረን በጺሑ። ኩሉ ድማ ኢደይ-ኢድካ ተባሂሉ ፣ ገዚፍ ገንዘብ ተዋጺኡ። ዚተገመተ ዋጋ ናይቲ ኢንቨርተር ድማ (80000-150000ናቕፋ) ኢዩ ነይሩ። ዘለዎም ጸገም ኪገልጹ ከለዉ ድማ ከምዚ ዚስዕብ ኣቐሚጦምዎ ነይሮም። - ካብ ከባቢ ምምባር-ታቦት ክሳብ መዛልሎ- ጥንስቲ ኣቢሉ ዘሎ ሻብቆታት ማይ ፣ መሪቱ ተቐዲዱ ማይ ይባኽን ፣ ጭቃ ዚተሓወሶ/ሓሬት ማይ ይሰትዩ ከምዘለዉ ምቕያር ከም ዘድልዮንይገልጹ። እዚ ነጥቢ’ዚ ዋላ’ኳ ምስቲ ኢንቨርተር ዚወዳደር እንተዘይኰነ ፣ ጠመተን ፍታሕን ከምዘድልዮ ምርዳእ ብተወሳኺ እንዳ ሃወርያ ምጽጋን ከም ዘድልዮን ከማኡ’ውን - ዲጋ (ዲጋ ዓደጋሕነ ፈሪቑ) መኪና ዘእቱ ጉድጓድ ፈጢሩ ፣ ምጽጋን ከምዘድልዮን ሓቢሮም። ካብኡ ብምቕጻል ድማ ፣ ብዛዕባ ዋንነት ዝምልከት ፣ እቶም ዝተሓቱ ሰባት "ብሓገዝ ኢየን መጺኤን ዓዲ ኢዩ ዝውንኖ" ይብሉ። ነገር ግን እታ ትምረጽ ኮሚቴ እቲ ዋንነት ከተጻሪ ከም ዘለዋ። ፈለማ ሕቶ ዋንነት መዕለቢ ኪርከብ ኣለዎ፣ ብዛዕባ ዚኾነ ይኹን ደገፍ ቅድሚ ምሕሳብና ኢልካ ተዘትዩሉ ፈለማ። እዚ’ውን መልሲ ተረኺቡሉ። ብርግጽ ቅድሜኡ ዚነበረ ዝያዳ/ተረፍ ካብቲ ጽቡቕ ዚበሃል ፕላስቲክ ሻምብቆታት ማይ ናብ ካልእ ፕሮጀክትታት ከይዱ ኢዩ። ግን ዘይንቀሳቐስን ብረዲኤት ዚመጸ ንብረት’ውን ምስ ምዃኑ ፣ ካብ ዓዲ ሓሊፉ ካልእ ዚውንኖን ሓላፍነት ዚወስደሉን ከምዘየለ ገምጋም ተወሲዱ። ምስ ሰብ ሞያን ኣመሓደርቲን ዝተገብረ ምድውዋል።

4- ጸናሒ ጐድናዊ ጸገማት ፕሮጀክት

* እዚ ምብልሻው ንብረት ጥራሕ ውን ኣይነበረን እቲ ጸገም። ቅድሚ ተክኒካዊን ፋይናንሳዊ ጸገማት ፣ ካልእ ጸናሒ ጐድናዊ ጸገማትን ኪልለ ነይሩዎ። ትሒምሒም ኣቐዲሙ ኣብ ዚተላእከ ሓገዛት ቀጻሊ ጸኒሑ። ካልእ’ስ ይትረፍ ካብ ሚኒስትሪ/ክፍሊ ሃብቲ ማይ ንመወከሲ ተባሂሉ ምስቲ ንብረት ዚመጸ መወከሲ/መምርሒ (Procedure Manuals) ፣ ኣቐዲሙ መእተዊኡ ዘይተፈልጠ ዚነበረ፣ ሓደሓደ መፋትሕን ተደልዩ፣ ንሕና ድሕሪ ምሕታትና ከምዚተረኽበ ዚምልከቶም ኣመሓደርቲ ዓዲ ኣረጋጊጾም።                                                                                                         * ምስ ጽላል ማሕበር ብሓባር ኪሰርሑን ፣ ተሓታትነት ዘሉውምን ሽማግለ እንተዝምረጹ ጽቡቕ ነይሩ። ዝብል ስክፍታታት ኣሎ። ካብ ደገ ብሓገዝ ኪስደድ እቲ ገንዘብ ኣበይ ከምዝኣቱ ኣይንጹርን ኣሎ። ካብ ሕጂ ንንየው ግን ክንጥንቀቕ ይግባእ። ጽፉፍ ኣሰራርሓ ኪህሉ መታን። እምነት ምህላው ጽቡቕ ባህሊ እኳ እንተኾነ ፣ ኣብ ምእካብ ኣታዊታት ግን እምነት ነዊሕ ዘስርሕ ከምዘይኮነ ፈሊጦም፣ ሓድሽ ኣሰራርሓ ከተኣታትዉ ምሕባር። ንቆጻጸረሉ መንገዲ ምፍጣር ፣ ምኽንያቱ ነብሶም ክኽእሉ ኣለዎም።ኩሎም ደቂ’ቲ ዓዲ ሓላፍነት ክዉስዱ ኣለዎም። ካብ ዓዲ ዘሎ ሓበሬታ ፣ ማይ ኪሽየጥ እንከሎ ብዘይ ቅብሊት ወይ ብልቓሕ መሳሊ ዋላ እቲ ዚእከብ ገንዘብ እውን ምስተን ሸያጦ ይቕኒ። ከረክባኦ ከለዋ’ውን ውን መረኻኸቢ ሰነድ የለን። ብፍላጥ ይኹን ብዘይ ፍላጥ ዋና ገንዘብ ብዙሓት ኢዮም። ኣለዋ ዚተባህላና ገንዘብ ካብ 100`000 ናቕፋ ዚበዝሓ ኣይነበራን። ብመሰረት ክፍሊ ሃብቲ ማይ ፣ ምስ ሓቲ ካልእ ተመሳሳሊት ዓዲ ኣንጻጺሮም ፣ ኣብ ድግሳ ኣስታት 2000`000 ናቕፋ ርእሰ-ማል ካብ ማይ ኪህሉ ነይሩዎ። እንተ ኣተባቢዕናዮምን ተቖጻጺርናዮምን ብዙሕ ነገር ኪብጻሕ ይከኣል ኢዩ።         
* ኣብ ኣስመራ ፣ ኮሚቴ ልምዓት ኣሎ። ብፍልጠት ይኹን ሞያዊ ምኽሪ ዋላ’ውን ፋይናንሳዊ ዓቕሚ ፣ ዚሓሸ ኣሰራርሓ ከርእዩዎም ስለዚኽእሉ ሓቢሮም ኪሰርሑ ዚግባኦም ኢዮም። ናይ ኣስመራ/ከተማታት ሽማግለ ብዛዕባ ገንዘብ ይኹን ካልእ ምስ ድግሳ ተራኺቦም፣ ዘሎ ጸገማት ክገልጽሎም ኣለዎም። ኣብ ዓድን ኣስመራን ዘለዉ ተወሃሂዶም ክሰርሑ ከም ዘለዎም ከነተባብዕ ነይሩና።

5- ዝተወሰደ ስጉምትታት

- ኣብ ላዕሊ ከም ዚተገልጸ ፣ ፈለማ ዋናነት ብምዝልከት ፣ ስክፍታኡ ውሑድ ምዃኑ ተገምጊሙ።                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                          - ዕለት 13 ታሕሳስ 2019 ዓምፈ. 5 ዚኣባላታ ኰሚቴ ማይ ቈይማ። ዓቕሚ ዘለዎም ሰባት ብወለንታኦም  ከካይዱ ብወግዒ ተዓዲሞም። ሓደ ካብ ሃገረ ሆላንድ ፣ ንመሰረታዊት ማሕበሮም ወኪል ኣብ ኰሚቴ ማይ ተወሲኹ 5ይ ኰይኑ። እዚ ሕጂ’ውን ክፉት ይመስለና።                                                                                                                                             - ኣመሓደርቲ ዓዲን ፣ ኮሚቴ ማይን ብሓባር ረኺብካ ኣብ ሓደ ርድኢት ንምምጻእ ተኻኢሉ። ብንጹር ንምቕማጥ ግን ፣ ንሕና (ብጽላል ማሕበር ዚእለ ፕሮጀክት ማይ ግን ከኣ ብሓባር ዚምወልን ዚውነንን) ሓገዝና ከነበርክት እንተደኣ ኰይንና ፣ ኪንሰማምዓሉ ዘሎና ሰለስተ መባእታውያን ነጥብታት ከም ቅድመ-ኩነት ቀሪበን። ንሳተን ድማ።                                                                                                                             * ሽያጥ ማይ ኩሉ-ሳዕ ብቕብሊት ኪኸውንን ፣ ጸብጻባቶም ብግቡእ ኪሕዙን።                                                                                                                                        * ሰነዳት ንኦዲት ናትና ክፉት ኪኸውን ፣ ብፍላይ ምቅይያር ኣመሓደርቲን ሽማግለታትን ኪህሉ ከሎ ግቡእ ርኽክብ ኪካየድን።                                                                                                                                                                                                                                                                    * ምስ ኣስመራ ብፍላይ (ዋላ ኩለን ከተማታት) ተናቢቦም ኪሰርሑ። ኣብ ዚብላ ስምምዕ ተበጺሑ። ብድሕሬኡ ናብ ኩሉ  ዘ- ብሄረ ድግሳ ኣብ ወጻኢ ዘሎ ጻውዒት ሓገዝ ገይሩ። ናብ ኣቓልቦ ጽላል ማሕበርን ኩሉ ዘ-ብሄረን በጺሑ። ኩሉ ድማ ኢደይ-ኢድካ ተባሂሉ ፣ ገዚፍ ገንዘብ ተዋጺኡ። ብውሑድ ንነብሲ ወከፍ ሰብ 50 ዶላር ኣመሪካ። ዚበዝሕ ሰብ ዳርጋ ልዕሌኡ ኣበርኪቱ።                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                      - ሕሳብ ናይ ልምዓት ከፊቶም ከምዘለው ውን ሓቢሮም።                                                                                                                                                              - እዋን ኮሮናንን ዕጽዋን ብምንባሩ ፣ ከቢድ ነይሩ። ግን ተበዲሁ - ኢንቨርተር ኣብ ሓጺር እዋን  ካብ ውሽጢ ሃገር ተረኺቡ ተገጢማ። ምስ ውሕስነት።                                                                                                                          - ንባዕሉ ዘሎ ኣብ መዓደሊ ማያት ንቑጣታት ካብ ዘሎ ቆጻሪታት/ኮንታተረ 2 ይሰርሓ ኣይነበራን። ካልእ 2 ተወሰኽቲ ኮንታተረታት ምትካል ግድን ነይሩ። ብድምር 7 ኪኾና ነገይሩ። ቁጽጽር ዳርጋ ኪግበር ኣይክእልን ነይሩ ማለት’ዩ። እዚ ንበይኑ ግን ነቲ ጸገም ኣይፈትሖን ኢዩ።

6- ተወሳኺ ስጉምትታት

  ዝመረተ ቱቦታት                                                                                                                                                                                                                                                                                                                           * ካብቲ ምውዳእ ፕሮጅርክት ዝተረፈ ቱቦታት/ሻምብቆታት ፣ ናብ ካልእ ዓድታት ተወሲዱ’ዩ ኣቐዲሙ። ከም ኣምራጺ ካብ ካቶሊካውያን ኣብያተ ክርስትያን ኪርከብ ተሓቲቱ። ኣይሰለጠን። ኣብ ባጽዕ ዝሎ ዚተበህለ ነይሩ ፣ ብበዓልሞያ ኣይጸደቐን። ኣይንሱን ተብሂሉ። ናብ መንግስቲ ተሓቲቱ ኣሎ። ዋጋኡ’ውን ኣዚዩ ገዚፍ ባጀት ይሓትት - ዓቕሚ መንግስቲ’ዩ። ንመንግስቲ ሕተቱ (ክፍሊ ሃብቲ ማይ)።                                                                                                                                                                                                                                                                  ኣማራጺ ፍታሓት ጥዑይ ማይ                                                                                                                                                                                                                                                                * ምናልባት እቲ መራት ሻምብቆታት ሓገዝ መንግስቲ ተረኺቡ እንተደኣ ተሸፊኑ ፣ ጽቡቕ። እዚ ኣብዚ እንዳሃለወ ግን ፣ ዓዲ ማይ ካብ ምጽማእ ደኣ ዓሪፋ’ምበር ፣ ማይ ዓደ-ጋሕነ ሕጂ ብዘለዎ ኩነታት ንጥዕና ሰባት (ብፍላይ ኮላሊት ህዝቢ ድግሳ) ጐዳኢ ብምዃኑ ፣ ገንዘብ እንተደኣ ተረኺቡ ፣ ካብ ኩሉ ሂወት ሰብ ስለዚዓቢ ፣ ናይ እምባጽሕዳት ካም መዳብልቲ ዓደጋሕነ ፣ በብኢብረ/በብተራ ከምዝሰርሓ እንተዝግበር ካብ ሕማም ምደሓኑ ፣ ዚብል ካብ በዓልሞያ/ዓዲ ሓሳብ ቀሪቡ። ነዚ ድማ ኣብ ዋትስኣፕ/WhatsApp ዘ-ብሄረ ድግሳ እውን ከይተረፈ መጸዋዕታ ብምግባር ፣ ኮሚቴ ፕሮጀክት ማይ ኣኼባ ኣካይዳ ፣ ካብ ተጋባእቲ ሓሳብ ሓቲታ። እዚ’ውን ቅቡል ኰይኑ ሓሊፉ/ጸዲቑ። ዋጋኡ ድማ ኣስታት 760,000 ናቕፋ ተገሚቱ።

7- ዘጋጠመን ዘሎን ጸገማት

                                                                                                                                                                                                                                                        * ጂኦግራፊያዊ  ኣብ በበይኑ ክፋላት ዓለም ምህላውካ ንባዕሉ ናቱ ጸገማት ኣለዎ። ብዓቢኡ ሰብ ነናቱ ውልቃዊ ሂወት ስለዘለዎ ፣ ኣብ ዕማማቱ    ደሪብካ ዚስራሕ   ምዃኑ’ውን ምግንዛብ ከድሊ ኢዩ።                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                           * ፖሊተካዊ ኣብ ሃገርናን ዞባናን ዘሎ ዳይናሚካዊ ምቅይያራት ፣ ብቐጥታ ይኹን ተዘዋዋሪ ይጸልው ምኻኑ። ሎሚ ዚረኸብካዮ ጽባሕ መውዓልን መሕደሪኡን ኣይፍለጥን። ሕጂ ድርጋ ተባቲኽና ኢና ዘሎና። ሰብ ኣበይ ኣሎ ሎሚ።                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                 * ርክብ/ኮሚዩኒኬሽን ስልኪታት ከምቲ ዚድለ መርበብ ስለዝየለ ፣ ኣብ ዚጥዕመካ እዋን ኪትዘራረብ የጸግም። ምውንዛፍ ይመጽእ።                                                                                                                                                                                                                                                                                                              * ምቅይያር ኣመሓደርቲን ሽማግለታትን ኣፍና ከፊትና ከም እንዛረብ ዚገብረና ዘሎ ጉዳይ ኢዩ። ዋላ’ውን ተቐሮም ከብቅዑ ነቲ ኪህሉ እንደልዮ መላግቦ ዚበትኩዎን ግቡእ ርኽክብ ስራሕ ዘይደልዩዎ ኣለዉ።                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                     * ርዲኢት ቅብሊት ኣብ ዓድና ነቲ ስርቂ ፣ ሸየጥቲ ጥራሕ ዘይከነስ ፣ ኣውራ ዓደግቲ ኢዮም ኪዋግኡዎን ደው ከብሉዎን ዘለዎም። ቅብሊት እንተሓቲቶም ግድን  ምተዋህቦም። ግን ከምኡ ኣብ ምግባር ብጉሳት ኣይኰኑን። ሽያጥ ዘይእከብ እንተኽየኑ ከኣ ፣ ኩልሳዕ ናባና ምምዕዳዎም ኣይክተርፍን ኢዩ። እቶት ንዘለዎ ኣለቂሕካ ተበግሶ ኢኻ’ምበር ነናሳዕ ኣይተሽፍነሉን ኢኻ። ትምልኣሉ ድማ።

8- ዘሎ ውጥንን ለበዋት

                                                                                                                                                                                                                                                                     *እምባጽሕዳት                                                                                                                                                                 ልክዕ ከምቲ ጥዕና ልዕሊ ኩሉ ምዃኑ ኣሚንና ዚወሰንናዮ ፣ ኣብ ማጅማሩ ድማ ቅሩባት ኰይንና ንጽናሕ።                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                *ንጐስጉስ                                                                                                                                                       ኣብ ነንድውለሉ ህሞት ፣ ብዘይ ቅብሊት ዚግበር ዕዳጋ ፣ ምጭጫሕ መንጠልቲ ኢዩ’ሞ ፣ ከምቲ ኣብ እንዳ ኪዳነ መሃንዘል ጥሑና ዚወስዶኦ ዚነበራ ቅብሊት ኪሓታ ነተበብዕ። ኣብ ርሑቕ ቦታ ኰይንካስ ይትረፍ ፣ ባኣካል ኣብኡ እንተሎኻ’ውን ሰብ ኪትሕሉ ከቢድ ኢዩ። እቲ ሕጂ ተባሕጒጉ/ሃሲሱ ዘሎ ፣ ኣተሓሳስባን ሓልዮትን ናይ ኣቐዲሞም ዚሓለፉ ኣቦታትና ፣ ተመሊዱ ኣብ ዓድና ንኺጫልድ ወፍሪ ከነካይድ ኣሎና። ኣብዚ ኰሚቴ ምህላዋ ኩሉ ሃጓፋት ትሓትሞ ማለት ኣይኮነን።                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                          *ንስመር ንሰስን                                                                                                                                           ንሕና ብዙሓት ኢና ፣ ድግሳ ግን ሓንቲ ኢያ። እቶም ኣብ ዓዲ ተፊሮም ጠጀው ዚብሉ ዘለዉ ሕሰም በዚሑዎም ፣ ኩላ እሾኽ ኮይናቶም ዘላ ፣ ተስፋ ቈሪጾም ፣ ህልም ከይብሉ ገለ መደዓዓሲ ንግበረሎም። መዝዝን ፣ ፊጮ ዘረባን ፣ ሰበን እንዳኣምጻ ኣብ ክንዲ ንተሓናዀል ፣ ምኽንያት ኣናዲና ንተዓረቕ ፣ ምሕረት ንልመድ። ሓባራዊ ፌስታን ምምስጋንን ንልመድ። ንሰስን። ኪንዕወት ኢና። ባስታ!