ብዛዕባና/ABOUT US

ጽላል ማሕበር ድግሳ (ጽማድ)
ብዛዕባና፡ ራእይና፡ ተልእኾናን ዕላማናን
1. ንሕና መን ኢናን ድሕሪ ባይታናን፡ ዳርጋ ኣብ ኩሉ ኩርናዓት ዓለም ማለት ኣብ ወጻኢ እንርከብ ተወለድቲ ዘ-ብሄረ ድግሳ፡ ብማሕበር መልክዕ ንኽንጥርነፍ፡ ነቲ ብኣጋጣሚ ናይ “ዋትስኣብ” መራኸቢ ተጠቒምና፡ ኣብ ሚያዝያ 2019 ክንራኸብ ጀሚርና፡፡ ምርኻብና ካኣ ልቢ ዘ-ብሄረ ድግሳ ዝመሰጠን፡ ትስፉውን ብሩህን መጻኢ ዘርኣየን ስለዝነበረ፡ ዓንዲ-ሕጊ ብምርቃቕ ንኹሉ ማለት ብውልቀ ዘሎ መሰረታዊ ኣባልን፡ ነቲ ብመሰረታዊት ማሕበር ተጠርኒፉ ዝጸንሐን ዘጠቓለለ “ጽላል ማሕበር ድግሳ” ዝብል ብዙም መልክዕ ተራኺብና ክነቑሞ በቓዕና።

2. ራእይና፡ ጽላል ማሕበር ድግሳ ንውልቅ ኣባልን መሰረታውያን ማሕበራትን ዝሓቁፍ፡ ኣብ ወጻኢ ዝርከቡ ደቂ ዘ-ብሄረ ድግሳ ብምጥርናፍ፡ ሕድሕዳዊ ምልላይን፡ ምድግጋፍን፡ ከምኡ’ውን ነታ መቦቆላዊት ዓድናን ዓዶቦናን ዝኾነት ዓባይ ዓዲ ድግሳ፡ ምስ ኣብ ዓዲ ዝለውን ኣብ ኣስመራ ዘሎውን ሽማግለ ድግሳ ብምምኽኻር፡ ኩሉ መደያዊ ማለት ማሕበራውን፡ ቁጠባውን፡ ልምዓታውን ዘጠቓለለ ደገፍ ንምግባርን ንምትሕብባርን እዩ።

3. ተልእኾና፡ ብቡቑዕ ራእይ ዝምራሕ፡ ስጡም ማሕበርን፡ ብቡቑዕ ኣመራርሓ ዝደልደለን፡ ተሳተፍቲ ደቂ ማሕበር ዘበራትዕን፡ ዓቕሞም ዘሐይልን፡ ነዚ ክውን ክገብር ዝኽእል ዓቕሚ ሰብን፡ ትካላዊ ኣሰራርዓን፡ ብቑዕ ሓይሊ ሰብ ዝሃንጽን ይኸውን። ግሉጹነትን ተሓታትነትን ዝሰፈኖ፡ ስሉጥ ትካላዊ ኣሰራርሓ ዘሎዎን ዝኽተልን ማሕበር እዩ። ኩሉ ዓቕምታትን ጸጋታትን ደቂ ማሕበር ብምጥማር፡ ጸገማት ደቂ ማሕበርን ሽግር መቦቆል ዓደቦ ድግሳን ንምፍታሕ የቶኩር።

4. ዕላማና፡ ብቐዳማይን፡ ካላኣይን፡ ሳልሳይን ደረጃታት ዝስራዕ፡ ከከም ኣድላይነቱን ቀዳምነቱን ህጹጹነቱን ብኣካያዲት ሽማግለ ዝተማእከለ፡ .
ሀ.ምልላይን ምትሕግጋዝን ዘቶኮረ
ለ. ታሪኻውን ባህላውን ድሕሪ ባይታና ናብ ወሎዶታት ምስግጋር
ሐ. ኩሎም ደቂ ዘ-ብሄረ ድግሳ ኣብዚ ጽላል ማሕበር ክጥርነፉ ምጽዓርን ምትብባዕን
መ. ማሕበራውን፡ ትምህርታውን፡ ጥዕናውን ጸገማት ምስዓር
ሰ. ህጹጽ ኩነተ ሓደጋ መቦቆ ዓዲ ድግሳ ጸገማት ምፍታሕ
ረ. ህጹጽ ልምዓታዊ ጸገም ዓዲ ምፍታሕን፡ ንመጻኢ መደባት ልምዓት
ምውጣንን ዝብሉ የጠቓልል።