ሐበሬታ/CURRENT

ሓፈሻዊ አኼባ ጽላል ማሕበር

ፈስቲቫል ድግሳ 2026 አብ ሃገረ ሸወደን

ጻውዒት አኼባ ጽላል ማሕበር ድግሳ

ርሑስ ብዓል ትንሳ ኤ

ሰላም ንኹልኩም ጽላል ማሕበር ደቅ ድግሳ ኣብ ወጻኢ፥
ብሞት ክቡር ኣቦናን ኣያናን ብርሃነ ትኽለገርግሽ ዝተሰምዓና መሪር ሓዘን እንዳ ገለጽና ንዝኽሩ ንምስትንታንን ዝተስመዓና ሃንደበታዊ ስንባደ ብሓባር ኮይንና ንምግላጽን ብስም ጽላል ማሕበር ድግሳ ናይ ዝኽሪ ምሸት ንሰንበት ዕለት 02/03/2025 ሰዓት 7፡00 ድ/ቐ ብበርሊን ኣቆጻጽራ መዲብና ኣለና’ሞ ምሳና ኣብቲ ንኽቡር ኣይናን ኣቦናን ንዝክረሉ ምሸት ክተምስዩን ክትዝክሩን ብኽብሪ ንዕድመኩም።
ብስም ኮሚቴ ጽላል ማሕበር ደቅ ድግሳ ኣብ ወጻኢ ብደሓን ምጹ!!!!

ፈላሚ አኼባ ጽላል ማሕበር ድግሳ አብ ወጻኢ ምስ ሐደሽቲ ሽማግለ

ሰላም ንኹልኹም 4ተ ደቂ ወረሰናዝጊ ከመይ ትኾኑ፧ ምላሽኩም ጽቡቕ ከኸውን እንዳ ተመነኹ፥ ናብ ዝቕጽል ሓሳበይ ክኣቱ-
ትማሊ ቀዳም ምሸት ሰዓት 7፡00 ድ/ቐ 01/02/2025 ፥ ሓደሽቲ ሽማግለ ጽላል ማሕበር ድግሳ ምስ ነባራት ናይ ስራሕ ምርኽኻብ ድሕሪ ምፍጻም፡ ገለ መበገሲ ወይ መላለዪ ይኸውንዩ ዝበልናዮ ሓሳብ ሒዝና ንኣኼባ ዓዲምና ኔርና ጽማቕ ትሕዝትኡ ነዚ ይመስል፥
1-ንዝጎደሉ ኣካየድቲ ኣካል ንምትካእ ፡ ጀርመን ሓደ ኣባል ከቅርቡልና ንጽበ ስለዝነበርና ፍቓደኛታት ኮይኖም ባዕሎም መሪጾም መተካእታ ንክሰዱ ተሰማሚዖም።ናይ ካናዳ ኣያ ጴጥሮስ ክፍለ ድራርዩ ተሓጽዩ ዝነበረ ፥ ንሱ ውን ብትግሃትን ሞራልን ተቀቢልዎ ንዓዱ ከለኣኽ ወይ ከገልግል ከኣ ድሉው ኮይኑ ዓደቦ ከኣ መሪቖም ሽይመሞ።
2- ንፋይናንስ ወኪሉ ኣብ ዓድ እንግሊዝ ዝቕመጥ ኣባል ምስ ኣካያድቲ ኣካል ዝሰርሕ ክህልወና ስለዝነበሮ፡ ኣቶ መሓረና ተወልደ ሓጎስ ብዝሓተትናዮ መሰረት ብዘይ ምርጫ ንዓደቦይ ዘይኮነ ንመን- ብምባል ሕራይ ኢሉ ድሉው ኮይኑ ። ዓደቦ ከኣ መሪቖም ወግዓዊ ጌሮሞ።
3- ኮሚቴ ምጽጋን ቤተክርስትያን እንዳ ሓዋርያ ውን ኣቡኡ ተረኺቦም ስራሕ ተጀሚሩ ምኻኑን፡ ክሳብ ሕጂ በጽሒዎ ዘሎ ደረጃን ህሉው ኩነታትን ኣብርሄሙልና ። ንብሕጂ ዝተረፈ ስራሕ ከኣ ኢደ ኢድካ ኢልና ዝተመባጻዕና መብጽዓና ክንከፍል ዘይተመባጻዕና ከኣ ክንመባጻዕ ወይ ሓገዝና ክነብርክት ኣብ ሓበሬታ ምዝርጋሕ ድማ ክንተሓግገዞምን ለበወኦም ሓደራ ኣሸኪሞምና።
4- ኮሚቴ ናይ ማይ ውን ክሳብ ሕጂ ኣደናጉይዎም ዝጸንሔ ጸገማት ብዝርዝር ሓበሬታ ድሕሪ ምሃብ ብሕጂ ግን ተፈቲሑ ምኻኑን ስርሖም ክቅጽሉ ምኻኖምን ገሊጾምልና።
5- ኣብ መጨርሽታ ዞም ክሳብ ሕጂ ብናይ ውልቒ ውፉያት ኣባላት ደቂ ማሕበር ኢና ክንጥቀም ጽኒሕና እዝጋብሔር ይሃቦም።ካብ ሕጂ ግን ማሕበር ናይ ባዕሉ ዙም ክገብር ኣለዎ ኣብ ዝብል ርኢቶታት ሰሚዕና ክግበር ከኣ ተሰማሚዕና።ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዝነበረ ኣጀንዳ ብዙሕ ሃናጺ ሪኢቶታት ካብ ዓበይቲ ኣቦታት፡ኣዴታት፡ሳንዳታት፡ ኣያታት፡መሓዙት መንእሰያትን ተቐቢልና ንኣስታት 3፡30 ዝነበረ ኣኼባና ብከባቢ 24 ተጋባእቲ ዝነበረ መኣዲ ኣኼባና ኣብ ምዝዛም በጺሕና እካ እንተበልና ክንዲ ዓዲ ድግሳ ዝኣክል እሞ ከኣ ኣብ ክንዳይ ኣዋርሕ ዝካየድ ኣኼባ በዚ ቁጽሪዚ ክስነ ወይ ክጋባእ ዘሕፍር’ዩ ኣማራጺ ስለዘየለን ተለሚዱን ውን ስለ ዝጸንሔን ንብሕጂ ከምዚ ከይድገምን ዘለና ጸገማትን ፍልልያትን ኣጽቢብና ኣብ ሓደ መኣዲ ንቕረበሉ መንገዲ ክፍጠር ምሕጽንታና ኣሰኒና ንምፍናው ከምቲ ብጸሎት ዝጀመርናዮ ብጸሎት ዛዚምና ቻው ተባሃሂልና።

ሽማግለ ጽላል ማሕበር ድግሳ

የካቲት 1 , 2025

\

ጻዊዒት አኼባ

Merry Christmas 2024

ጸብጻብ አብ 2th ጎባኤ ጽላል ማሕበር ድግሳ 2024

ጻዊዒት 2th ጉባኤ ጽላል ማሕበር ድግሳ አብ ወጻኢ

አፍልጦ/Award ንአብነታውያን ደቂ ድግሳ 2024

ክቡር አቦ/ሓው ብርሃነ ተኽለገዮርጊስ ምዓሾ

ክቡር ሓወ ካሕሳይ ተስፋምካኤል ባህታ

ክቡር ሓው ደበሳይ ገርኺዳን ብርሃነ

ክቡር ሓው ተስፋይ በየነ ተስፍጋብር

ክቡር ሓው ገርኺዳን ገብረዝጊ ቀላቲ

ርሑስ አውድአመት ፅዮን ማርያም አብ ዘዘለናዮ ትሐልወና ።

ርሑስ አውድአመት ሃወርያ-ጴጥሮስ!!!

ሐበሬታ ባዛዕባ ሒሳብ ባንኪ

ሰላም ክብራንን ክብራትን አባላት ጽላን ማሕበር ድግሳ ከመይ ትኾኑ አብ ዘዘለኽሞ ኩርነዓት ዓለም ሰላምን ምሉእ ጥዕና ንምነየልኩም። ብምቅጻል ሐዲሽ ሐበሬታ ብዛዕባ ሒሳብ ባንኪ ጽላል ማሕበር ድግሳ አብ ዓባይብርጣንያ። ከምእውን ዓላማ ማሕበር ምርኩስ ብምግባር ዘሎና ራኢን፤ ውጥናት ናይ ዓመተ 2023 ሕዝና መጺና አሎና።

ጽላል ማሕበር ትውንኖ ናይ ሕሳብ ባንኪ አብ ዓባይ-ብርጣንያ ተከፊቱ ከምዘሎ ብሐጎስ ክንሕብር ንፈቱ።
እዚ ብስራት ሕዝና ምመጻእና ዘስምዓና ደስታ ወሰን የብሉን ከም ዝዝከር እቲ መስርሕ ካብ ዝጅመር አትሒዙ ቀጻሊ ሕበሬታ ክንህብ ጽኒሕና እና እንሆ ሎሚ እቲ ጉዳይ ተወዲኡ ሐድ ብስራት ሕዝና መጺና አሎና አብዚ ከነምስገኖ ዝግበኦ ሐውና ተስፋይ በየነ ተስፋጋቢር ብጀይካ ናቱ ጻዕሪ፤ተገዳስነት፤ ክሰልጥ ዘይሕሰብ እዩ ነይሩ። ተስፋይ ጽላል ማሕበር ካብ ዝምስረት ምስቶም አገልገልቲ ሽማግለ ነበር አሕዋቱ/አሓቱ ዘበርክቶ አስተዋጽኦ መስ ምቅሉል አቀራርባ ስርሑ ዝናአድ ከምዝነበርእ ኩላትና ንዝክሮ እዩ። በዚይ አጋጣሚ የቀንየልና ኽብር ሐው !!!
ብምቅጻል ብኸመይ መልክዕ ወይ አገባብ እዚ ሕሳብ ባንኪ ብሽም ጽላል ማሕበር ተከፊቱ ዝብል ሓጻር ሐበሬታ ክህብ ክፍትን እየ። እቲ ሐድ ብድሆ ኮይኑና ዝጸንሐ አባላት ጽላል ማሕበር ድግሳ አብ ሙሉእ ዓለም ፋሕ ዝበልና ስለዝኮና አብ ሐንቲ ሃገር ከም non-profit association ማሕበር ንክንፍለጥ አሸጋሪ ኮይኑ እዩ ጸኒሑ ዝለዝኮነም እቲ ዝሐሸ አማርጺ እልና ዝአመናሉ ሙሉእ ንሙሉእ ከስርሐና ዝከል ብሕጋዊ መገዲ ከም ሐደ “ናይ ረድኤት ትካል unregisterd charity ቦርድ አባላት ዘለዋ ብሽም ጽላል ማሕበር ድግሳ አባላት ድማ ከም stakholder መሰረት ገርካ ናይ ሕሳብ ባንኪ ምክፋት እዩ። አገልገልቲ ሽማግለ አብ ዝቅመጥሉ ሃገር ክይኖም ክቓጻጸሩ፤ ገንዘብ ክተሐላልፉ ዘኸል access ይህለዎም ብዋንነት ትሐዚ ገንዘብ/ ፋይናንስ ኮይኑ አቦወንበር ፤ ዋና ጽሐፊ/ምኽትል አቦወንበር ድማ access ይህልዎም። አባላት ጽላል ማሕበር ድማ ካብ ዝቅመጥሉ ሃገር ናይ ዓመትዊ ክፍሊት ኮነ ዝተፈላለየ ሐገዝ ከበርኽቱ ንዝደልዩ ናብቲ ናይ ማሕበር ሕሳብ ባንኪ የእትዉ/ transfer ይገብሩ ማለት እዩ። ነዙይ ክትከውን ዝመረጽናያ ሃገር ድማ ዓባይ ብርጣንያ ኮይና እቲ ምኽንያት ብቅንዱ ቅድሚ ሕጂ ብምኽንያት ናይ ማይ ፕሮጀክቲ ዝታአከበ ዝበዝሕ ገንዘብ አብ ዓባይ ብርጣንያ ስለዘሎ ኮይኑ ብተወሳኪ ድማ ከምቲ አቀዲመ ዝሐበርኩዎ ሐገዝ ካብ ሐው ተስፋይ ንረኽቦ አብ ግምት ብምእታው እዩ። ቦርድ አባላት ኮይናም ‘ዋሕስ’ ዝኮንና አሕዋት ድማ ሓው ተስፋይ በየነ ተስፋጋቢር፤ ሐው ብርሃነ ሰቦሊ አስፍሃ ብርሃነ እዮም ። ሐው ብርሃነ ሰቦሊ ምሉእ ምትሕብባር ዝገበርልና እንዳ አመስገና ናይ ገንዘብ ምትሕልላፍ፤ ምቅባል ወይ ምክፋል access ከምዘይብሉ ክንሕብር ንፈትው። ሐው ተስፋይ በየነ ከምኡ ሐው ብርሃነ ሰቦሊ ገለ ጸገም እንተአጋጢሙ ተጸዋዕቲ ኮይኖም ዝቀርቡ እምበር አብቲ ናይ ባንኪ ማንዳት አይክህልዎምን እዩ። ምሉእ ማንዳት ዘለዎም አገልገልቲ ሽማግለ እዮም ብቀዳማይ ደረጃ ትሐዚ ገንዘብ ፋይናንስ ኮይኑ አቦወንበር ፤ዋን ጽሐፍት ድማ ናይ ምራይ፤ምቅጽጻር ማንዳት ይህልዎም ብዝያዳ ንምንጻር በቲ ዓንዲ ሕጊ ማሕበር ምርኩስ ብምግባር እቲ ስራሕ ክስራሕ እዩ። አግልገልቲ ሽማግለ ማንዳት ምስ ወዱኡ ድማ ናብቶም ሐደሽቲ ዝምረጹ ሽማግለ ብቀሊሉ ይትሐላለፉ (ይሰጋገር )።

ሙሉእ ሐበሬታ ናይ ሕሳብ ባንኪ ከምዚ ዝሰዕብ እዩ ።                                                                  Name:  Digsa Umbrella Association                                                                                                  Sort code: 30-99-50.                                                                                                                      Account no: 43973260
Swift no: LOYDGB2L
BIC: GB64LOYD30995043973260                                                                                             Bank: Lloyds Bank Plc
ጽላል ማሕበር ድግሳ ግልጽነት፤ ትሐታትነት ዘለዎ ትካል ክትኽውን አበርዕና ክንሰርሕ ይግባእ።
ተመኩሮታት ይኹን መጽናዕቲ ከምዝሕብሮ መብዛሕተአን ማሕበራት ይኩን ትካላት ቀጻሊ ዘጋጥም ጸገመት እንተ ታዓዚብና ሐበሬታ ብዛዕባ ቕጠባ ማሕበርን አብግዚኡ ዘይምሃብ፤ ጽፉፍ ዘኾነ አተሐሕዛ መዝገብ ዘይምህላይ፤ ጽፉፍ ናይ ምርኽካብ ሐላፍነት ሽማግለታት ዘይምግባር ካብ ብዙሕ ቅሩብ ክጥቀሱ ይካል። እዙይ ምርኩስ ብምግባር ማሕበርና ባዕላ ትውንኖ ናይ ባንኪ ሕሳብ ቕጽሩ ምህላው ብጣዕሚ አገዳሲ እዩ ከምኡ ውን ጽፉፍ መዝገብ/arkiv አትሐሕዛ ብጣዕሚ አድላይ እዩ። ሕጂ እቲ ጽገም ናይ ባንኪ ተፈቲሑ አሎ ውልቀ-ሰባት ዝሕዝዎ ገንዘብ አይክህሉን ብዝተካእለ ቅልጢፍና ኩሉ ንማይ ዝተዋጸኤ ይኩን ንማሕበር መበገሲ ገንዘብ ከምኡ ውን አብ አመሪካ ዘሎ አብ ሐጺር ግዜ ናብዚ ሐዲሽ ባንኪ ክትሐላለፍ ምኻኑ ክንሕብር ንፈትው። ገንዘብ ማሕበር ብውልቀ-ስባት ክትሐዝ ከምዘይብሉ ከም ሐደ ፖሊሲ ክንሰርሐሉ ዘለና ግዳይ እዩ። ሕግን ሕጋውነተን ተኽቲላ ትከይድ ማሕበር መዋእሉ /ዕድምአ ነዊሕ ከምዝኸውን አየጠራጥርን።


ዓመታዊ ናይ አባልነት ክፍሊት 2022-2023
ቅድሚ ሕጂ ሐቢርናዮ ከምዝነበርና እንተኮነ ብኽንያት ናይ ሕሳብ ባንኪ ቕጽሪ ክሳብ ዝረጋገጽ ብዙሕ ዘደፋእናሉ ሕጂ እቲ ናይ ባንኪ ግዳይ ተፈቲሕ ስለዘሎ ክላትና ከምቲ አብ ጉባኤና ዝተሰማማዕናዮ ናይ ክልተ ዓመት ማለት 2022- 2023 ቅልጢፍና ክንከፊል በዚ አጋጣሚ ንላቦ። እቲ አከፋፍላ አቶም ብግልና አባልነትና ዘርጋገጽና 30 ዶላር ናይ ክልተ ዓመት ድምር 60 ዶልላር ክንከፍል እትን መስረታውያን ማሕበራት ድማ 10 % ናይ ክልተ ዓመት ክከፍላ እዩ እቲ ትጽቢትና። ቅድሚ ሕጂ እውን ጽቡቅ ገርና ገሊጽናዮ ነይርና ከመይ ገርካ ናብቲ ባንኪ ናይ ማሕበርና ይስደድ አብተን ንቅመጠለን ሃገራት ወከልቲ ገርና ናብአቶም ምስዳድ እቲዝቀለልው ይከውን ማለት እዩ ስለዚ ክምቲ ቕድሚ ሕጂ ዝሐበርናዮ ሕጂ ውን እሱ ኢና ክንድደግም እሞ ተስፋ ንገብር ክትትሐባበርና ።

 ጽላል ማሕበር ድግሳ ሐደ ትካል ናብ ወለዶታት ዝትሐላለፍ ክከውን እዩ ዓላማና።
ካብ መበቆል ዓድና ብዘይ ናህና ሕርያ ፋሕ እልና አብ ሙሉእ ዓለም እንርከብ ደቂ ድግሳ ተጠርኒፍና ንመቦቆል ዓድና፤ ባህልና፤ ታሪኽና ናብ ወለደታት ምትሕልላፍ ንገብሮ ጻዕርታት ሕልና ዘለዎ ሰብ ክድግፎ እዩ ዝግብእ። እብአርኸስ ጽላል ማሕበር ክትገብሮ ዘለዋ ሐደ ንጹር፤ጽፉፍ አሰራርሐ፤ ምትእትታው ብሕግን ሕጋውነት ትሰርሕ ማሕበር ኮይና ንመጻኢ ወለዶ ትሰጋገር ትካል ክትከውን አብርቲዕና ምስራሕ እዩ። መንእሰየታትና ንጽር ሐበሬታ ዝረኽብሉ፤ ብመንነቶም ዝኮረዕሉ ፤ ርእሲ ምትእምማን ዘጥርሉ ክኸውን አበርትዕና ክንሰርሕ ይግብአና። ንእስ ወለዶ ባዕሎም ክርከብዎ ዝኸእል መገድታት ምጥዕዓም። አብዚይ ቋንቋ አገዳሲኦ እዩ ስለዝኮነም ቋንቋ እልግልዘኛ ከም አማራጺ ወሲድና ከም ካላአይ ቋንቋ ገርና ምስራሕ ክሕሰበሉ ዘለዎ ግዳይ እዩ።


ተጠርኒፋና ዚያዳ ከምንድመዕ ርዱእ ስለዝኮነ ፍልያትና አጽቢብና ኩሎም ደቂ ድግሳ አሕዋትና/አሓትና ናብ ጽላል ማሕበር ክመጹ ጓስጓስ ምግባር።
ሕጅም እንተኮነ ጥርናፈ ከይገበርካ ዝኽውን ራኢ የለን እሞ እዙይ ተረዲእና እና ክንጥረፍ እይ ዘሎና ካለእ አማራጺ የለን፡፡ ዝተፈላለየ ሐሳባት ክመጽእ ክም ጸጋ ሪእና እንተኮነ እቲ ዝበዝሕ ስብ ዝደልዮ ሐሳባት ምርዓም፤ተጻውርነት ክህልወና ይግባእ። ንዝሰርሕ ሰብ ድማ አፍልጦ ምሃብ፤ ምትብበዕ፤ መሮል ምሃብ ባህሊ ክህልወና ድማ ጽቡቅ እዩ እትዘኮይኑ እንዳደከምና ክንከይድ ዘሎ ተክእሎ ዓቢ እዩ።


ጽላል ማሕበር ድግሳ ናብ አባላታ ረብሓ ዝወዕለሉ መገዲታት ምድህሳስ።
ጽላል ማሕበር ንአባላታ እንታይ ረብሐ ክትህብ ትከል ዝብል ሐደ ካብ ዕማማትና ክከውን አለዎ ኢልና ንአምን። እዚይ ንነዊሕ ዝጠመተ ራኢይ ክከውን ይግባእ ናአብነት ጽላል ማሕበር ትውንኖም ትካላት ሰላም እንተኮይኑ አብ ሃገርና አብ ዓድና ናይ ግሊ ትምህርትበት ምክፋት ወዘተ። ቅልል ዝበለ ድማ አብ ዓመታዊ አኼባ ንገብረሉ ሐደ ሎተርያ ነውሪድ እዚ ብድለት ኮይኑ አብ ዓመት ሐንቲ ግዜ ይከውን ማለት እዩ፡፡ ብዝያዳ አብቲ ዓመታዊ አኼባና ከም ዛዕባ ክቀርብ እዩ ክንዝትየሉ።


ዓመታዊ አኼባ ንሙላት አባላት ጽላል ማሕበር ድግሳ።
ጉባኤና ካብ ነካይድ አስታት 9 አዋርሕ ኮይኑ አሎ አገልጋሊት ሽማግለ ተወዳዲባ ስርሐ ካብ ትጅምር አስታት 6 አዋርሕ ኮይኑ ሕጂ ናይዝ ዝሐለፈ አዋርሕ ዝተሰርሐ ዕማማት ክንግምግም ንመጻኢ ዘለና ውጥናት ድማ ንምሕባር ንዕለት 20 ግንቦት 2023 ሳዓት 7pm ZOOM አኼባ ክንገበር ምኻና በዚ አጋጣሚ ክንሕበር ንፈቱ። ኩሉኩም ነዚ መልእኽቲ ሐበረታ ስምዕኹም ካብ ሎሚ ጀሚርኩም ፕሮግራም ክትገብሩ በዚ አጋጣም ንላቦ።

ምስ አኽብሮታዊ ሰላምታ!!!                                                                                                                                                      አገልገልቲ ሽማግለ ጽላል ማሕበር ድግሳ 
መጋቢት13, 2023
አቦወንበር
ዘርኦም በየን ተስፋጋብር
         

ቅርጺ አገልጋሊት ሽማግለ ጽላል ማሕበር ድግሳ 2022-2024